[go: up one dir, main page]

ናብ ትሕዝቶ ኪድ

ፍልልይ ኣብ መንጎ ክለሳታት «መጽሓፍ ቅዱስ»

ካብ ዊኪፐድያ፣ ናጻ ኢንሳይክሎፐድያ
Content deleted Content added
ንእ r2.7.2) (robot Adding: se:Biibbal
ንእ r2.7.2) (robot Adding: be-x-old:Біблія
መስመር 34፦ መስመር 34፦
[[bat-smg:Bėblėjė]]
[[bat-smg:Bėblėjė]]
[[be:Біблія]]
[[be:Біблія]]
[[be-x-old:Біблія]]
[[bg:Библия]]
[[bg:Библия]]
[[bi:Baebol]]
[[bi:Baebol]]

Revision as of 21:36, 4 መስከረም 2011

ፋይል:መጽሓፍ ቅዱስ.jpg
መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብእኩባት ቀንዲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ እምነት ኣይሁዳውያንን ክርስትናን ዝቖመ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ቀዳመይቲ ዝበዝሐት ዝተሸጠት መጽሓፍ እያ።

ትሕዝቶን መስርዕን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ፥ ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ የላን። ታናኽ (tanakh)፥ መጽሓፍ ቅዱስ ናይቶም ቀንዲ ኣይሁዳውያን ኣብ 24 መጽሓፍቲ ይምቀል። ሳምራውያን ዝበሃሉ ውሑዳት ክፋል ኣይሁድ ግና 5 መጽሓፍቲ ጥራይ ኣለዎም። እተን 24 ጽሑፋት ኣይሁዳውያን ኣብ 39 መጽሓፍቲ ተመቒለን ንናይ ክርስትያን ብሉይ ኪዳን የቑማ። ቁጽሪ ምሉእ ጽሕፋት ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ፥ ካብ 66 መጽሓፍቲ ናይ ወንጌላውያን፥ ክሳዕ 81 መጽሓፍቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ ክርስትያን ይፈላለ።

መጽሓፍ ኣይሁድ ታናኽ፥ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ይምቀል። (1) ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ሕጊ (torah)፥ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያንን ሕጎምን፥ ኪዳን ምስ ኣምላኽ እስራኤልን ይሕዛ። (2) Nevi'im (ነብያት) ናይ ጥንቲ ታሪኽ እስራኤልን ይሁዳን ስራሕ ነብያትን። (3) Ketuvim (ጽሑፋት) ግጥምታትን ናይ ፍልጠት ጽሑፋትን፥ ከም በዓል መዝሙር ዳዊትን እዮብን።

ናይ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክልተ ይምቀል። ቀዳማይ ብሉይ ኪዳን ኮይኑ 39 መጽሓፍቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ይሕዝ፡ ካልኣይ ከኣ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ 27 መጽሓፍቲ ድማ ኣለዎ። ወንጌላት፥ ቀዳሞት ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን፥ ብዛዕባ ህይወት ክርስቶስ የዘንትዋ። ንሰን መሰረት እምነት ክርስትና እየን።

ወላ'ኳ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትና 'ተሃለዋ፥ ዝተፈለየ መስርዕ ኣለወን። እቲ ናይ ኣይሁድ ጽሑፍ ብህዝቢ እስራኤል ናብ የሩሳሌምን ናብ ቤት መቕደስን ተመሊሶም ከለዉ ይውዳእ፥ ኣብ ናይ ክርስያን መወዳእታ መስርዕ ግን መጽሓፍ ትንቢት ሚልክያስ እዩ።

ካብቲ ናይ ቀደም ዝተጻሕፈ ናይ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐሞ ዝተረኽበ ጽሑፋት፥ ብቛንቃ ግሪኽ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፈ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ከኣ ብቛንቃ ግሪኽ ዝተቶርጎመ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ዝጸንሐ እዩ። ዝነውሐ ዝጸንሐ ምሉእ ጽሑፍ ክፋል ናይቲ ቀንዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይሁድ ተባሂሉ ዝሕሰብ፥ ማለት ልክዕ ናይ መጀመርታ ቃላት ዝሓዘ፥ ክሳዕ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ይግምገም።

ድሕሪ ምምስራት ክርስትና ብቀዳማይ ክፍለ ዘመን፥ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፍለ ዘመናት፥ ሽማግለታት ኣብያተ ክርስትያናት ናይ ወንጌል ጽሑፋትን መልእኽትታት ሃዋርያትን ኣኪቦም ነዚ ሕጂ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ኣቖሙ። ብኸምዚ ዝተገልጸ መሰረት ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ብምሕባር መጽሓፍ ቅዱስ ይበሃል። ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክርስትያናዊ ሃይማኖታት ኣይኖት ጽሑፋት ኣብ ብሉይ ኪዳን ክጽምበራ ከም ዘለወን ወይ ቀንዲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝቑጸራ ክርክር ኣሎ። ወንገላውያን ነቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ቀንዲ (ቆነኔ) ይቕበልዎ፡ ሮማዊት ካቶሊኽን ምብራቓዊ ኦርቶዶክስን ከኣ ካልኦት መጽሓፍትን (deuterocanonical books) እኩባት ናይ ኣይሁድ መጽሓፍት ከም ቀንዲ (ቆነኔ) ይቕበልወን። ንሓድሽ ኪዳን ዘቑማ መጽሓፍቲ እዘን ዝስዕባ እየን፤ ወንጌላት፡ ግብሪ ሃዋርያት፡ መልእኽትታት ከምኡ ውን ትንቢት የውሃንስ እየን።